ብዛዕባና

ትካልና ኤክስፖ ሓበሻ ኣብ ማእከል ከተማ ኮሎን፣ ኣብ Peterstraße 23–25, 50676 Köln ይርከብ። ኣብ ትካልና ፡ ካብ ብሉጽ ቀመማትን   በርበረን ሓርጫትን ኣእካልን  ክሳብ ብኢድ ዝተሰርሐ  ስልማታትን ባህላዊ ክዳውንትን፡ ብዙሕ መኣዛን ሃብትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ይርከብ። እዚ ኣብ ዓመተ 2017  ንማሕበረሰብ ሓበሻ ንምግልጋል ዝተጀመረ ንእሽቶ ድኳን፡ ሎሚ ንኩሎም ንነበርቲ ጀርመንን ከምኡዉን ንመላእ ዓለምን ንመግብን ባህልን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከበሉ ማእከል ኮይኑ ኣሎ።

ዓይነት ንጥፈታትና ምስ ድሌት ዓማዊልና ይውስኽ ፡ ንእንጀራ ዝኸውን ጣፍ-ሓርጭ፡ ከም በርበረን ምጥሚጣን ዝኣመሰሉ ዓይነታት ቀመም፡ ብጥንቃቐ ዝተሓርዩ ኣእካል፡ ካብ ከባቢታት ኢትዮጵያ ከም  ሲዳሞ  ብሉጽ ቡን፡ ብተወሳኺ መስተታት፡ ኣቑሑ ገዛ፡ ክዳውንትን ስልማታትን ይርከብ። ብዙሕ ካብዚ ብቐጥታ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወይ ድማ ካብ ንነዊሕ ዓመታት እንፈልጦም ኣምጻእቲ ንረኽቦ። በዚ ድማ፡ ከምቲ ኣብ ገዛና ንፈልጦ ልዑል ጽባቐ ንረክብ።

በዚ ኦንላይን ትካልና፡ እዚ ክፋል ገዛና ድሮ ናብ ገዛኹም፡ ኣብ ኩሉ ጀርመን ብፖስታ ወይ ድማ ኣብ ትካልና ኣብ ኮሎን ብምርካብ ንኽትወስድዎ ቐሪብና ኣለና። ምጹና ብጽሑና፡ ንዓኹም ንምሕጓስ ዱሉዋት ኣሎና።